እንኳዕ ብዓውት ተዛዘመ እቲ ሃገራዊ ዋዕላ
ብኹለን ውድባት ነቲ ዉጹዕ ህዝቢ ዝውክላ
ምእንቲ መሰል ክረክብ ህዝብና ብሓባር ዝማሓላ
ባዕለን ይመስክራ እተን ወከልትና ኣብኡ ዝዋዓላ
ባዕለን ይመስክራ ኩለን ስቪካውያን ማሕበራት ኮፍ ኢለን ዘዕለላ
ምእንቲ ብስርዓተ ሕጊ እትምራሕ ሃገር ንኽተኽላ
ኩልና ንደግፈን ቁኑዕ ኣሰር ክኽተላ
ሞራል ረኺበንገረን ንሓድነት ክቕጽላ።
እቲ ንመሰል ዝቃለስ -- ንሓድነት ዉጹዕ
ይጽዕር ይሰርሕ - ንኹሉ ይጽውዕ
መደባት ሓንጺጹ -- ብማዕረ ይሰርዕ
እቲ ኑጹር ዕላማ -- ታርገት ንኽወቅዕ።
ሃገር ንኸድሕኑ -- ኮታ ዝመረጹ
ንኹሉ ጠርኒፎም -- ነቲ ከዳዕ ክረግጹ
ክብሪ ይዋሃቦም -- ነቶም ንሃገራዊ ዋዕላ ዝሓንጸጹ
ሉዑል ሕልና ረኺቦም-- ተስፋ ኸይቆርጹ።
ኣጆኹም ንበሎም -- ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከናውጹ።
ግመለይ..........
ሕቶ ዲሞክራሲ ሕቶ መሰል...ክሳብ ምዓስ እዩ ስቅ ኢሉ ክዝለል?...